ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤተ ክርስቲያኖም ንግብረሰዶማዊነት ኣትሪራ ክትዋግኦ እያ ኢሎም ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ


ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፤ ፓትርያርክ ርዕሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ
ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ፤ ፓትርያርክ ርዕሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ
ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንግብረሰዶም ብፅንዓት ክምክት ኣለዎ ክብሉ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲታስ ፀዊዖም ኣለው።

ብፁእ ኣቡነ ማቲያስ ነዚ ናይ ሎማዕንቲ ረቡዕ ፃውዒት ዘቕረቡ ዝቕፅል ሰንበት ዝኸበር በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬን ዘሕለፉዎ መልእኽትን እዩ።

ኣብ መልእኽቶም ካልኦት ጉዳያት እውን ዳህሲሶም ኣለው።መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ብዓላት ኣብዘሕልፉዎም መልእኽትታት ብዛዕባ ግብረሰዶም ክዛረቡ ዝተለመደ ኣይኮነን።
እቲ ጉዳይ ምልዓሎም ንፓትሪያርክን ንዝመርሑዋ ቤተ ክርስቲያንን ክንደይ ከምዘተሓሰሰብ ዝሕብር እዩ።ፃዊዒቶም እውን ንኹሎም ኢትዮጵያዊያን እዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ክፍፀምስ ይትረፍ ክውረ ዘይግብኦ ንሰዶምን ገሞራን ብሓዊ ዘንደደ ናይ ሓጢያት ተግባር ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ምስምዑ እግዚኣብሄር ንኢትዮጵያዊያን ዝሃቦ ናይ ቅድስና ክብሪ ዘስእን እዩ ምስበሉ ኣስዒቦም ‘’ብተወሳኺ ንሃገርና መቕሰፍትን ውድቀትን ከየስዕበልና ኩሉ ኢትዮጵያዊ ነዚ ግብረሃጥያት ብፅንዓት ክምክቶ ይግባእ’’ኢሎም።

ብቅዱስ ባህልን ስነምግባርን ኣዝዩ ዝበልፀገን ዝለምዐን ትውልዲ ምፋርይ ናይ ልምዓትና ኣካል ክንገብሮ ኣለና ዝበሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ንግብረሰዶም ክሳብ ምወዳእታ ኣምሪራ ከም እትዋግኦ ኣረጋጊፆም።

ግብረሰዶም ንዝኾነ ይኹን ዘይጠቅም፣ካብ ተፈጥሮኣውን ናይ እግዝኣብሄርን ሕጊ ዝወፀ ስለዝኾነ ኩሉ ክቃወሞ ዝግባእ እዩ ኢሎም።
XS
SM
MD
LG