ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ኣብ ካይሮ ልዝብ ይካየድ ኣሎ


 ፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ
ፕሮጀክት ግድብ ህዳሴ

ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን ግብፅን ዝካየደ ልዝብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ኣብ ከተማ ካይሮ ተጀሚሩ።

እዚ ናይ ሎማዕንቲ ናይ ግብፂ ኣኼባ ቅድም ክብል ብዝተበፅሐ ስምምዕ ኣብ ልዕሊ ግድብ ህዳሴ ተወሳኺ መፅናዕትታት ከካይድ እዩ ዝተብሃለ ኣማኻሪ ጉጅለ ንምቑፃር ዝተፀውዐ እዩ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ግብፂ ክካየድ ዝሓተተት ግብፂ ምዃና ዝሓበሩ ኣቶ ፊቅ ኣሕመድ ነጋሽ ኣብ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ናይ ምትሕብባር ማዕቐፍ ኢትዮጵያ፣ሱዳንን፣ግብፅን ደቡብ ሱዳንን ዝርከብኦት ናይ ምብራቕ ናይል ትካል ቴክኒክ ዋና ስራሕ ኣካይዲ እዮም።

ዛጊድ 40 ሚእታዊ ህንፀት ግድብ ህዳሴ ከምዝተዛዘመ ዝገለፁ ኣቶ ፊቅ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ ዝካየድ መፅናዕቲ ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ክውድእ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

‘’እቲ መፅናዕቲ ክዛዘም ከሎ እቲ ግድብ ኣዚዩ ርሑቕ መንገዲ ክጉዓዝ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ’’ ምስ በሉ ኣስዒቦም ድማ ‘’ብርግፀኝነት ምዝራብ ዝክኣል ግን እቲ መፅናዕቲ ቅድሚ ምዝዛሙ ቀዳሞት ክልተ ኣካላት/ዩኒትስ/ ሓይሊ ናይ ምምንጫ ስራሕቶም ክጅምሩ እዮም’’ኢሎም።

ኣብዚ ኣኼባ ብናይ ሰለስቲአን ሃገራት ምንስትራት ማይን መስኖን ዝምርሑ ልኡኻት ይሳተፉ ኣለው።

XS
SM
MD
LG