ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስመር መንገዲ ባቡር ኣዲስ ኣበባ ጁብቲ ኣብ መጀመሪያ 2016 ኣ/ፈ ክዛዘም እዩ ተባሂሉ


ባቡር ኣዲስ ኣበባ
ባቡር ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ ምስ ጅቡቲ ዘራኽብ ሓደሽ መስመር ባቡር ኣብ ፈለማ 2016 ኣ/ፈ ክኽፈት እዩ ክትብ ኢትዮጵያ ገሊፃ።ሓድሽ ናይ ማንፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ንምፍጣር ናይ ዝተትሓዘ ትልሚ ቀንዲ ፕሮጀክት ምዃኑ ሓላፊ መንግስታዊ መንገዲ ባቡር ሓቢሮም ኣለው።

እቲ 700 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ መስመር ብ4 ቢሊዮን ዶላ ወፃኢ ዝህነፅ ዘሎ እንትኸውን ዝሃንፅዎ ድማ ናይ ቻይና ኮርፖረሽን Railway Engineeringን ናይ ቻይና Civil Engineering Constructionን እዮም።ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ኣ/ፈ ኣብ ምሉእ እታ ሃገር 5,000 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ሓድሽ መስመር ባቡር ክሃንፅ እየ ኢላ’ላ።

‘’ኣብ ዝቕፅል ጥቅምቲ 2015 ኣ/ፈ ዝዓበየ ኽፋል ፕሮጀክት መስመር ኣዲስ ኣበባ ጁቡቲ ክዛዘም እዩ’’ኢሎም ኣቶ ጌታቸው በትሩ ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖረሽን መንገዲ ባቡር ኢትዮጵያ ንሮይተርስ ኣብዝሃብዎ ቃል።ብምውሳኽ ’’ ባቡራት ኣብ መጀመሪያ 2016 ኣ/ፈ ምጉዓዝ ክጅምራ እየን’’ ኢሎም።

ካብ መስመር ጅቡቲ ብተወሳኺ ካልኦት ክልተ መስመራት እውን ኣብታ ሃገር ይህንፁ ኣለው።ህንፀት ሓደሽቲ መንገድታትን ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘመንጭው ግድባትን ኣካል ዓበይቲ ህንፀት መሰረተ ልምዓት እዮም።

8 ሚእታዊ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዓቢ ቁጠባ እታ ሃገር ክቕፅል ትንቀሳቐስ ዘላ ወናኒት 96 ሚሊዮን ህዝቢ ናይ ኣፍሪካ ናይ ማንፋክቸሪን ማእኸል ንምዃን ድሮ ተዕውት ኣላ።

ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ እውን ብ475 ሚሊዮን ዶላር ዝተሃንፀ ቀሊል መንገዲ ባቡር ቅድሚ ኣገልግሎት ምሃቡ ንዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ናይ ፈተነ ስራሕቲ ክስራሕ እዩ።ኣዲስ ኣበባ ቀሊል ኣገልግሎት ባቡር ብምሃብ ካብ ትሕቲ ስሃራ ሃገራት ኣፍሪካ ፈላመይቲ ከተማ ክትኸውን እያ።

XS
SM
MD
LG