ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖለቲካዊ ፓርትታ ኣብ ቀረባ ክትዕ ክጅምሩ እዮም


የኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ
የኢትዮጵያ ብሔራዊ ምርጫ ቦርድ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅል ግንቦት ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ዝወዳደሩ ሃገርለኸ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኣብ ዝተመረፁ ትሽዓተ ኣርእስታት ክካትዑ እዮም።ኢኮኖሚ ንዓርሱ ክኢሉ ከም ኣርእስቲ ኣይቀረበን።

ናይ መካትዒ ኣርእስትታት ዝተመረፁ ብሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርትታት እዩ።መድበለ ፓርትን ሰብኣውን ዴሞክራስን መሰላት፣ስርዓተ ፌደራሊዝም፣ፖሊሲ ልምዓት ሕርሻን ገጠርን ዝብሉ ብቕደም ስዓብ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዝተሰርዑ እዮም።

ራብዓይ ፖሊሲ ከተማን ልምዓት ኢንዱስቱሪን፣ሓምሻይ ሰናይ ምሕደራ፣ፖሊስ ወፃእን ድሕነትን ሻድሻይ፣መሰረተ ልምዓት ሻብዓይ፣ትምህርቲ ሻምናይ ታሽዓይ ድማ ጥዕና እዮም።

ኢኮኖሚ ከም ሓደ ናይ መካትዒ ኣርእስቲ ኣይቀረበን።ሓደ ኣባል ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርትታት ናይ ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያዊያን ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢዴፓ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ኣቶ ወንድወሰን ተሾመ ቁጠባ ንርእሱ ክኢሉ ዋላ እንተዘይቀረበ እውን ርክብ ዘለዎም ካልኦት ኣርእስትታት ስለዘለው ኣየተሓሳስበናን ኢሎም።

ኣባላት ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርትታት ኢህወዴግ ሓዊሱ ትሽዓተ እንትኾኑ ኣብ ዝተመረፁ ኣርእስትታት ክካራኸሩ ትፅቢት ዝግበረሎም ግን ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባል ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን እዮም።

እቶም ፓርትታት 4 መጋቢት 2014 ዓ/ም ናይ ቴሌቪዥንን ሬድዮን ክትዖም ከምዝጅምሩ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG