ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ሃገራዊ ምርጫ ዝካየደሉ ዕለት ተፈሊጡ፡ ተቓወምቲ ግን ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ሃዋህው የለን ይብሉ


ETHIOPIA ELECTION
ETHIOPIA ELECTION

ድምጺ ዝውሃበሉ ዕለት ግንቦት 16 2007 ከምዝኸውን ዝወጸ ንድፊ ሰሌዳ የመልክት

እቲ ዕለት ምርጫ ዝተገልጸ፡ ምስ ፓርትታት ፖሊቲካ ንምዝርራብ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ `ዩ።

እቲ ንድፊ ሰሌዳ ብቦርድ ምርጫ፡ ገና ኣይጸደቐን። ኣብ`ቲ ምይይጥ ዝተሳተፉ ገለ ተቓወምቲ ፓርትታት ግና፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ንምክያድ ዘኽእል ሃዋህው የለን ይብሉ።

"ኣብ ዝሓልፈ 2002 ዓ.ም ዝርኣናዮ፡ ኢህወደግ ነቶም ዝተረፉ ፖሊቲካዊ ፓርትታት ረጊጹ፡ ዳርጋ ሚእቲ ብሚእቲ ኣሸኒፈ ክሳብ ምባል ዝበጻሓሉን፡ ናብ ዲሞክራሲ ዝግበር ጻዕሪ ብምልኡ ንድሕሪት ናብቲ ኣብ 1983 ዓ.ም ዝነበረ ኩነታት ዝተመለሰሉ እዋን`ዩ ኔሩ" ዝበሉ ኣባል ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፕሮፈሰር በየነ ጴጥሮስ፡ እቲ ኩነታት ለውጢ ከይተገብረሉ፡ ብዛዕባ ናይ ምርጫ ናይ ግዜ ሰሌዳ ምዝራብ ዋጋ የብሉን ይብሉ።

ብዛዕባ`ዚ ሕቶ ተቓወምቲ ካብ መንግስቲ ኾነ ካብ ምርጫ ቦርድ ዝተዋህበ ርኢቶ ዛጊት የለን።

XS
SM
MD
LG