ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ንምስሕሓብ 2 ፓርቲታት ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ! ተቃውሞ ኣስዒቡሉ!


ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ
ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ‘2 ፓርቲታት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጦም ንዝተፈጥረ ምግምማዕ ንክፈትሑ ዘካየዶ ፃዕሪታት ስለዘይሰመረ ውሳነ ከምዘሕለፈ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ዚ ‘ኣንድነት ብኣቶ ትእግስቱ ኣየሉ ዝመርሕዎ ወገን፡መኢኣድ ድማ ብኣቶ ኣበባው መሓሪ ዝምራሕ ወገን፡ኣብ ሃገራዊ ምርጫ ንክሳተፉ ወሲኑ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ኣንድነት ኣቶ ግርማ ሰይፉ “ብዘይጥርጥር እዚ ፖለቲካዊ ውሳነ’ዩ። ሕጋዊ መሰረት’ውን የብሉን” ኢሎም።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣቦ-መንበር መኢኣድ ኣቶ ማሙሸት ኣማረ ብወገኖም “እቲ ቦርድ ወገንተኛ ንምኻኑ ብንፁር ተረጋጊፁ’ሎ” ዝብል ሪኢቶ ሂቦም’።

XS
SM
MD
LG