ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ንትሽዓተ ሰባት ቀቲሎም


Con tàu trên đường đi đến cảng Massawa, cách thủ đô Asmara của Eritrea 70 kilômét về phía đông thì bị hải tặc cướp
Con tàu trên đường đi đến cảng Massawa, cách thủ đô Asmara của Eritrea 70 kilômét về phía đông thì bị hải tặc cướp
መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ትማሊ ንግሆ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል 28 ሰባት ፅዒና ትጉዓዝ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት መኪና ብዝፈፀምዎ መቓዕቲ ትሽዓተ ተሳፈርቲ ሞይቶም ሸውዓተ ድማ ቆሲሎም ከም መግለፂ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ።ፖሊስ የፃሪዮ ከምዘሎ እውን ተገሊፁ’ሎ።

ካብ ዋና ከተማ ቤን ሻንጉል 100 ኪሎ ሜትር ሪሒቑ ኣብዝርከብ ወረዳ ሸርኮሌ ፍሉይ ሽሙ ተይባ ኣብዝተብሃለ ቦታ ክሳብ ሕዚ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዕጡቓት ቶኽሲ ከፊቶም እቶም ትሽዓተ ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ ከለው ኣብ ልዕሊ እቶም ሸውዓተ ክኣ ካብ ቀሊል ክሳብ ከቢድ መቑሰልቲ ምብፅሑ እቲ መግለፂ ይሕብር።

መንግስቲ ንገበነኛታት ሒዙ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ናይቲ ከባቢ ሓይልታት ፀጥታ ተዋፊሮም ኣለው።ደድሕሪ እቲ መጥቓዕቲ መን ከምዘሎ እውን ምርመራ ከምዝተጀመረ እቲ መግለፂ ወሲኹ ኣፍሊጡ’ሎ።
XS
SM
MD
LG