ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዞባዊ ሰራዊት ምብራቅ ኣፍሪቃ ክቀውም‘ዩ


ተወርዋሪ ሓይሊ ምብራቅ ኣፍሪቃ
ተወርዋሪ ሓይሊ ምብራቅ ኣፍሪቃ

ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፣ኩለን ዞባታት‘ታ ኣህጉር ተወርዋራይ ሓይሊ ንከቁማ ኣብ ምስራሕ‘ዩ ፀኒሑ።

ሸቶ‘ቲ ዞባዊ ተወርዋሪ ሓይሊ፣እተን ዓሰርተ ሃገራት ቅልውላው ክፍጠር ከሎ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ሰራዊት ንምልኣኽ ዓቅሚ ዝፈጥር’ዩ።

ዓሚ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኲናት ተባሪዑ፣ኣብ ኬንያ ግጭት ተኸሲቱ።ኩነታት ፀጥታ ሶማልያ‘ውን ኣንቆልቊሉ።

ቡሩንዲ ብርጌድ ፈኩስ ብረት፣ኡጋንዳ፣ኢትዮዽያን ሩዋንዳን ብርጌድ ድሩዓት ማካይን፣ኬንያ ማካናይዝድ ብርጌድ፣ኮሞሮስ፣ጂቡቲን ሶማልያን ድማ ጉጅለታት ከምዝልእኻ ኣፍሊጠን‘ለዋ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ሰማንታ ፓወር፣ዞባዊ ውዳበታት ኣፍሪቃ ኣብ ዕቀባ ሰላም ወሳናይ ተራ ይፃወታ ኣለዋ፣ውጥናተን ኣብ ዝትግብራሉ እዋን፣ደገፍ ክረኽባ ምኽኑይ‘ዩ ከምዝበላ ዝዝከር‘ዩ።

ሙሉእ ሪፖርት ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:58 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG