ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ቻይና አብ አፍሪቃ ብ40% ምጉዳሉ ተገሊጹ


ሚኒስተር ንግዲ ቻይና አብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ ወፍሪ ቻይና አብ አፍሪቃ ብ40 ሚእታዊት ከምዝነከየ ገሊጹ።

ገለ አካላት እዚ ምጉዳል ወፍሪ ብሰንኺ አብ ኢኮኖሚ ቻይና ዘጋጠመ ምንቁልቋል’ዩ ክብሉ ከለው ካልኦት ድማ በሰንኪ ለውጢ ፖሊሲ ቻይና አብ ወፊር ወጻኢ’ዩ ይብሉ።

ፕረዝደንት ቻይና እዚ ለውጢ ፖሊሲ ቻይና ብርግጽ ነቲ ወፍሪ ጸልይዎ ድዩ ኣይኮነን ዝብል አብቲ አብ ጆሃንስበርግ ደቡብ አፍሪቃ ካብ ታህሳስ 4-5 ዝካየድ ቻይና-አፍሪቃ ፎረም ክገልጹ ትጽቢት ተጌርሎም’ሎ።

ብካልእ ወገን ተንተንቲ እዚ ቻይና ዝሰአነቱ ቦታ ንግዲ አብ አፍሪቃ ነተን ዕድል ከይረከባ ዝጸንሓ ምዕራባዊያን ሃገራትን ትካላትን ዝጠቕም ይኸውን’ዩ ይብሉ።

‘ቀንዲ ወፍሪ ወጻኢ ቻይና አብ ጽላታት ማዕድናትን ነዳዲን እዩ። ዋጋ እዞም ንጥረ-ነገራት ድማ ብዝለዓለ ደረጃ ጎዲሉ’ዩ። እዚ ማለት ድማ ዝኾነ ወፍሪ ወጻኢ ክሳብ ዋጋታት እዞም ንጥረ-ነገራት ዝመሓየሽ ክጸንሕ’ዩ ማለት’ዩ።’ ይብሉ ዲቦራ ብራግቲጋም ዳይሬክተር ኢንስትዩት መጽናዕቲ ቻይና አፍሪቃ በርናብድ ሽዋትዝ ፕሮፈሰር ካብ ጆን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ።

ቻይና ብወገና አብቲ ሓድሽ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውጥና ዝተፈለየ መርገጺ ሒዛ’ላ። እዚ መርገጺ አብ አገልግሎት ዝህባ ትካላት ዘተኩር ከክውን ከሎ አብ ጽላት ከቢድ ኢንዳስትሪ ትገብሮ ዝነበረ ወፍሪ’ውን ከምተጉድል ምክንያቱ ኸአ እዚ ዓይነት ኢንዳስትሪ ዝለዓለ ዋጋ ንጥረ-ነገራት ከምዘድልይን ልዑል ዓቀን ካርቦንዳዮክሳይድ-ማለት መርዛም ጋዝ ከምዘስዕብን ገሊጻ’ላ።

አማካሪ ንግዲ ዝኾነ ሮበርት ሎውረንስ ኮሃን ለውጢ ኩነታት ንግዲ ቻይና አብ አፍሪቃ ብዝምልከት ‘ንወፍሪ ቻይና አብ አፍሪቃ ዝጸልዉ ካልኦት ብዙሓት ረቋሒታት አለዉ፡ ይኹን ደአ እንበር ቻይና ንአብ አፍሪቃ ትገብሮ ወፍሪ እምንቲ ኮይና ጸኒሓ’ላ ነቲ አብታ አህጉር ዘለዋ ፕሮጀክትታት’ውን ክትቅጽሎ’ያ’ ኢሉ።

ብተወሳኺ ንሱ ቻይና ፖለቲካዊ ጽልዋ ሃገራት አፍሪቃ ምስ አባላት ሕቡራት ሃገራትን 50 ዓመት ዝምድና ምስ አፍሪቃን ከምትግንዘብ ገሊጹ።

ቻይና ብትህቦ ዘይንጹርን ዘይእመንን ጸብጻብ ኢኮኖሚ ትንቀፍ እዃ እንተኾነት አብ ድሮ ቻይና አፍሪቃ ፎረም ሚኒስተር ንግዲ’ታ ሃገር ወፊሪ ቻይና አብ አፍሪቃ ጎዲሉ’ዩ ምባሉ ንአፍሪቃውያን መራሕቲ ዘለዎም ትጽቢት ከጉድሉ ዝሕብር’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣይተሳእኑን።

እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ አብዚ ቀረባ እዋን ዝጀመረ ሓድሽ ፕሮጀክትታት ቻይና አብ አውሮጳን ደቡብ አሜሪካን’ውን ጽቡቅ አንፈት ሒዙ’ሎ። ትካላት ቻይና አብ ጽላት ልዑል-ፍጥነት ዘለዎ መንገዲ ባቡር አብ አሜሪካ’ውን ሓደ ካብቲ ንወፍሪ ዝሓረይዎ ጽላት’ዩ። ምምስራት ባንክ BRICS : ትሕተ ቅርጺ ኤስያ ባንክ ወፍሪ ምስ ቤይጂንግ ገለ ካብቲ ንትካላት ንግዲ ቻይና ማዕጾ ወፍሪ ከርሕዉ ዝኽእሉ አገደስቲ መስመራት እዮም።

XS
SM
MD
LG