ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ተፀሪጉ ዝወፀ ኣል-ሸባብ ቀፃሊ ስትራተጅኡ እንታይ ይኸውን?


al shabab
al shabab
ጉጅለ ምልሻታት ሶማልያ ኣል-ሸባብ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብጠንቂ ዝተፈፀሞ መጥቃዕቲ ካብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ተፀሪጉ ክወፅእ ተገዲዱ‘ዩ።ኣብ ዝተወሰና ከተማታት ክከላኸል ዝፈተነሉ ዕድል‘ውን ኣይነበረን።ስትራተጂ ኣል-ሸባብ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ስሙር ግንባር ሕብረት ኣፍሪቃን ሶማልያን፣ ንከተማ ሑዱር ካብ ኢድ ኣል-ሸባብ ከምዝመንዝዑ ዝዝከር‘ዩ።እታ ከተማ ብቀሊሉ‘ያ ተማሪኻ።ስሙር ግንባር‘ቶም ሓይልታት ናብ‘ታ ከተማ ኣብ ዝተፀጋዓሉ እዋን፣ዕጡቃት ኣል-ሸባብ ሃዲሞም ወፂኦም።
ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ከተማ ዋጅድ ናብ ኢድ መንግስቲ ኣትያ።ብድሕሪኡ ብርክት ዝበላ ከተማታት ካብ ኣል-ሸባብ ተመንዚዔን ናብ ኢድ መንግስቲ ሶማልያ ኣትየን።ቦርዴሆ፣ቡሎዶርዴ፣ቆርያሌ፣ኣል-ቦርን ሓዊስካ ዓሰርተ ከተማታት ሓራ ወፂኤን‘የን ካብ ኣል-ሸባብ።

ብዘይካ ኣብ ከተማታት ቆርያሌን ቦርዶሆን፣ኣብ‘ዘን ዝተጠቅሳን ካልኦት ከተማታትን ኣል-ሸባብ ክከላኸል ኢሉ ዝኸፈቶ ውግእ ኣይነበረን።ኣል-ሸባብ ካብ ሞቃዲሾ 120 ኪ/ሜ ርሒቃ ኣብ ትርከብ ከተማ ቆርያሌ ሓሓሊፉ መጥቃዕቲ ኣብ ምፍፃም ይርከብ።

እተን ዝተረፋ ካልኦት ከተማታት ግና ክማረኻ ከለዋ ዳርጋ ሰብ-ኣልቦ ከተማታት‘የን ነይረን።ኣብ ዞባ ጋልጉዱድ ትርከብ ከተማ ኢል-ቡር እታ ኣዝያ ፀው ዝበላ ከተማ ከምዝነበረት መሰኻኽር ይገልፁ።ቅድሚ ኣል-ሸባብ ካብ‘ታ ከተማ ምውፅኡ ይብሉ እቶም መሰኻኽር፣ነበርቲ ካብ‘ታ ከተማ ንክወፁ ድሕሪ ምእዛዞም፣ኣብ‘ታ ከተማ ንዝነበሩ ጎዳጉዲ ማይ ኣፍሪሶም፣እቲ እናመረሸ ይመፆም ዝነበረ ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱን እንተዋሓደ ዝስተማይ ንከይረኽቡ ከምዝሰርሐ ይዛረቡ።

እቲ ክላዓል ዝኽእል ሕቶ፣ስትራተጂ ኣል-ሸባብ እንታይ‘ዩ ዝብል ኮይኑ‘ሎ።ዞባዊ ተንተንቲ፣ኣል-ሸባብ ንሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ሶማልያን ፊት ንፊት ክዋጋእ ዓቅሚ ከምዘይብሉ ተረዲኡ‘ዩ።እቲ ጉጅለ ምልሻታት ቅድሚ ኣርባዕተን ሓሙሽተን ዓመታት፣ንሞቃዲሾ ክቆፃፀር ኣብ ዘካየዶም ስርሒታት ተዳኺሙ‘ዩ፣ብድሕሪኡ ኣይተመለሰሉን ይብሉ።ሓደ ካብ‘ቶም ተንተንቲ ካብ ሞቃዲሾ ዓብዱላሂ ዓደን‘ዩ።

ኣል-ሸባብ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ይርኢን ይሰምዕን‘ሎ ዝበሉ ንሶም ብምስዓብ ‘’ብዛዕባ ስትራተጂ ውግእ ዝፈልጥዎ ነገር ኣሎ።ብዘይካ‘ዚ፣ዓቅሚ‘ቲ ይመፆም ዘሎን ዝነበረን ሓይሊ ስለዝተረደኦም፣ካብ‘ተን ከተማታት ንክወፁ ወሲኖም‘ዮም’’ይብሉ።ንተወሳኺ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:30 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG