ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕብረት ኣፍሪካ ኣንፃር ቦኮ ሓራም ዝዋጋእ ሓይሊ ንኽምደብ ወሲኑ


Ethiopia Mugabe AU
Ethiopia Mugabe AU

ሕብረት ኣፍሪካ ኣንፃር ኣኽራሪ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ዝዋጋእ 7,500 ወታደራት ዝሓቁፍ ዞባዊ ሓይሊ ክዋፈር ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት መራሕቲ ኣፅዲቑ።

ናይጀሪያ፣ካሜሩን፣ቻድን ቤኒንን ንምጥፍኣ ህይወት ኣሽሓት ናይጀሪያዊያን ስቪላትን ምስ ካሜሮንን ቃላይ ቻድን ንዘዳቡው ሰፊሕ ክፍለ ግዝኣት ቦሮኖ ንዝተቖፃፀረ ቦኮ ሓራም ንምግጣም ሓቢረን ንምስራሕ ኣብ ቀረባ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኮሚሽነር ቤት ምኽሪ ስለማን ፀጥታን ሕብረት ኣፍሪካ ስሜይል ቸርጊ እቲ ውሳነ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ክቐርብ እዩ ኢሎም።

ወታደራት ቻድ ድሮ ኣብ ውሽጢ ናይጀሪያ ብምእታው ትማሊ ሓሙስ ንሓንቲት ናይ ገጠር ዓዲ ካብ ተዋጋእቲ ቦኮ ሕራም ምምንዝዖም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG