ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋዕላ መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ


መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ
መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ

ዋዕላ መናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ሆቴል ኦምኒ ሾርሃም ተኸፊቱ።

ነቲ ዋዕላ ብመደረ ዝኸፈቱ ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ኬርይ‘ዮም።ንሶም ኣብ ዘረበኦም ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ኢትዮዽያ መገሻ ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ንዝተፋለጥዋ ንእስቲ ሃሌታ ግደይ ብስም ጠቂሶም ”ካብ ፍሉጥ ዩኒቨርስቲ ዝተመረቀትን፣ዝደለየቶ ዓይነት ሞያ ክትሕዝ ተኽእሎ ዘለዋን፣ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብን ናይ ዓለም ኮርፖሬሽናት ክትኣቱ ዓቅሚ ዝፈጠረትን‘ከ ንሳ፣ ኣብ ክንድኡ ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ኣደታትን ንዝፍፀም ዓመፅ ንክትምክት ዝመረፀትን” ኢሎም ንኢዶምዋ።

ጆን ኬርይ ወሲኾም ”መናእሰይ ኣፍሪቃ ንፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ሃገራትኩም ናብ መራሕቲ ብምቅራብ ልዝብ ክትዓትን ከምኡውን ፍታሕ ኣብ ምርካብ ኣበርክቶ ክትገብሩ ትፅቢት ይግበረልኩም” ኢሎም።

ኣብ‘ቲ ኣዳራሽ ትርከብ መሳርሕትና ምንያ ኣፈወርቂ ከምዝሓበረቶ፣መራሒ ኣሜሪካ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ንመናእሰይ መራሕቲ ኣፍሪቃ መደረ ከምዘስምዑን ድሙቅ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሎምን ሓቢራ።ፕረዚደንት ኦባማ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፀጋታት ዘይዋሓደ ክኸውን ይኽእል ግን መሰረታዊን ሰብኣዊን ፖለቲካዊን መሰላት እንተዘይተረጊፆም ግና ዝቅልበስ ምዕባለን ኣዎንታዊ ለውጥታትን ከጓንፍ ይኽእል‘ዩ ኢሎም።

ተወሳኺ ፀብፃብ ኣሎ ተኸታተሉ!
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:38 0:00
መራገፊ

XS
SM
MD
LG