ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮዽያ ካብ ጎደና ዕብየት ቻይና ትምከሮ ኣለዋ ኢሎም ፕረዚደንት ሙላቱ ተሾመ


ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ
ዶ/ር ሙላቱ ተሾመ

ሎሚ ኣብ ኣዲሳበባ ንዝተኸፍቲ ጉባኤ ምንካይ ድኽነትን ዕብየትን ኣፍሪቃ-ቻይና ብመደረ ዝኸፈቱ ፕረዚደንት ሙላቱ ተሸመ፣ኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ቻይና ንዓለም ዘስደመመ‘ዩ፣ስለዚ ኣብነት ቻይና ምስዓብ ምኽኑይ ምኳኑ ገሊፆም።

ብመሰረት ተታሒዙ ዘሎ ኣህጉራዊ ትልሚ፣ኣፍሪቃ ድሕሪ ሓምሳ ዓመት ብኢንዱስትሪ ዝማዕበለት፣ዝበልፀገትን ዝሓበረትን ክትኮን ዝካኣል፣እቲ እንኮ ኣማራፂ ንእግሪ ቻይናን ካልኦት ሃገራት እስያን ምስዓብ‘ዩ ኢሎም።

ብዛዕባ ኢትዮዽያ ክዛረቡ ከለው ድማ ”ኢትዮዽያ ትትግብሮ ኣብ ዘላ ቁጠባዊ ስትራተጂ፣ተወሳኺ ዋጋ ክግበረሎም ኣብ ዝግባእ ፍርያት ዝውስኽ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣድልዩዋ‘ሎ።ኢትዮዽያ ካብ‘ቲ ሃገራት እስያ ኣብ ሕርሻ ካብ ዘርአይዎ ለውጢን ናብ ኢንዱስትሪ ዝገበርዎ ስግግርን ንክትማሃር ቅርብቲ‘ያ” ኢሎም።

ኣብ ኢትዮዽያ ኣምባሳደር ቻይና ሚስተር ዢ ዥያውያን ብወገኖም፣ ኣብ ምንካይ ድኽነት፣ሃገሮም ዝሳዓበቶ ኣንፈት ንተኣከብቲ ኣብሪሆም።ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ሰላሳ ዓመታት ዝተተግበሩ መርሃ ግብሪ ምንካይ ድኽነት ይብሉ ንሶም፣ንምዕባለ ዘማእከሉ‘ዮም ነይሮም።እቲ መርሃ ግብሪ ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ብምዕባለ ዝተራሓሓቁ ከባቢታት ቻይና፣ክቀራረቡን ትሑት ደረጃ መነባብሮ ዝነበሮም ዜጋታት ክብ ምባልን ከምዝነበረ ጠቂሶም።

ኣብ ኣፍሪቃ ሎሚ ይኽሰት ዘሎ ምዕባለ ዘተባብዕ‘ዩ ግን እኹል ኣይኮነን ኢሎም ኣምባሳደር ቻይና።ኣስዒቦም ቻይና ተመክሮኣ ንኣፍሪቃ ክተካፍል ተቀሪባ‘ላ ከምዘላ ገሊፆም።

“እንተኾነ ኣፍሪቃ ክሳብ ንዓመታ ንክዛዘም መደብ ዝተታሓዘሉ ሚልየነማዊ ሸቶታት ንምዕዋት እቲ ዘሎ ደረጃን ናህሪን ምዕባለ እኹል ኣይኮነን።ኣብ ቅድሜና ተመሳሳሊ ዕላማን ዕዮታትን ይፅበየና ስለዘሎ፣ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ናህሪ ንክውስኹ መታን ቻይና ኣብ ኢንዱስትሪ ዘጥረየቶ ተመክሮ ንክተካፍል ቅሩባት ኣለና” ባሃላይ‘ዮም።

ኣብ ኢትዮዽያ ወኪል ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ሚስተር ኢዩዥን ኦውሱን፣ምዕባለ ኣፍሪቃ ሎሚ‘ውን ከበድቲ ብድሆታት ኣለዎ፣ብሕልፊ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣፍሪቃ መንእሰይ ምኳኑ ነዚ ወለዶ‘ዚ ዕግበት ንክስመዖ ምስራሕ እቲ ኣገዳሲ‘ዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG