ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣል-ሸባብ ኣብ ኣዲሳበባ ሸበራዊ ጥቅዓት ክፍፅም ይኽእል‘ዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ


Addis Ababa
Addis Ababa

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ኣዲሳበባ፣መጥቃዕቲ ግብረ ሸበራ ምናልባሽ ክፍፀም ከምዝኽእል ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮዽያ ኣጠንቂቂ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ሶማልያ ኣል-ሸባብ ኣብ ከባቢ ቦሌ መጥቃዕቲ ክፍፅም ከምዝኽእል ዝሕብር ሪፖርት በፂሑኒ‘ሎ ይብል።

ንፁር ስፍራ‘ቲ መጥቃዕቲ ፍሉጥ ኣይኮነን፣ግን ቤት ብልዒ፣ሆቴላት፣ኣብያተ ኣምልኾ፣ሱፐርማርኬታትን ዕዳጋታትን ወረዳ ቦሌ ክኾኑ ይኽእሉ‘ዮም።ስለዚ ካብ‘ዞም ከባቢታት ተወሳኺ ሓበሬታ ክሳብ ዝዋሃብ ንክርሕቁ ንዜጋታቱ ምዒዱ‘ሎ እቲ ኤምባሲ።

ወሃቢት ቃል‘ቲ ኤምባሲ ካትሪን ዲዩብ”ኤምባሲ ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኢትዮዽያ ሓዊሱ ምስ ብርክት ዝበሉ መሻርኽቱ ይማኸር‘ዩ።ንኣሜሪካውያን ንዝርግሖም ሓበሬታን መጠንቀቅታን ኣኪብና ኢና ናብ ዜጋታትና ንዝርገሖም” ኢለን።

ኢትዮዽያ፣ንኣል-ሸባብ ንምውጋእ ናብ ሶማልያ ሰራዊተን ካብ ዘዋፈራ ሃገራት ሓንቲ‘ያ።

ኣል-ሸባብ ኣብ‘ዚ ቀረባ ተኸታታሊ ስዕረት ተጎልቢቡ‘ዩ።ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣሜሪካ ንመራሒ ኣል-ሸባብ ኣብ‘ዚ ቀረባ ከምዝቀተለቶ‘ውን ዝዝከር‘ዩ። እንተኾነ ኣል-ሸባብ ቀታሊ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ቀፂሉሉ‘ሎ።

ዓሚ ኣብ ስፍራ ዕዳጋ ናይሮቢ መጥቃዕቲ ዝፈፀመ ኣል-ሸባብ፣ንሞት 67 ሰባት ጠንቂ ከምዝኾነ ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG