ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ናብ ምስ ጅቡቲ ትሽምግል ሃገር-ቐጠር


Eritrean president in Qatar
Eritrean president in Qatar

ዑደት ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ናብ ምስ ጅቡቲ ትሽምግል ሃገር-ቐጠር

ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዶሓ ምስ ኣሚር ቐጠር ሸኽ ታሚም ቢን ሓማድ ኣልጣኒ ተራኺቦም ኣብ ክልቲኣውን ዓለም-ለኻውን ጉዳያት ምዝርራቦም መንግስታዊ ሚዲያ ኤርትራ ይገልጻ`ለዋ፡ ካልእ ተወሳኺ ዝርዝር መብርሂ ግን ኣይሃባን።

ቀጠር ነቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ግጭት ኤርትራን ጅቡትን ንምሽምጋል ሓላፍነት ዝወሰደት ሃገር ክትከውን ከላ፡ሒደት ቁጽሪ ዘለዎ ተዓዛቢ ሰራዊት `ውን ኣስፊራ`ያ። እንተኾነ እቲ ግጭት ካብ ምሃዳእ ሓሊፉ ናብ ሰላም ገጹ ክስጉም ኣይክኣለን።

ብመሰረት ናብ ሕቡራት ሃገራት ዘቕርብኦ ተደጋጋሚ ጥርዓናት፡ ኤርትራ፣ እቲ መስርሕ ሰላም ክዕወት ካብ ዘይክኣለሉ ምኽንያት ሓደ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብሰንኪ ዘለዋ ጽልዋ ከምዝኾነ ትገልጽ፣ ጅቡቲ ብወገና፡ ኤርትራ ደሃይ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ከይትሕብር ብምሕንጋዳ ሓደ ካብ`ቲ ዕንቅፋት ምዃኑ ትገልጽ።

XS
SM
MD
LG