ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተፃባእቲ ደቡብ ሱዳን ሰኑይ ስምምዕ ሰላም እንተ ዘይፈሪሞም ስጉምቲ ክውሰዶም'ይ-፡ ሕብረት ኣውሮጳ


South Sudan
South Sudan

ተፃባእቲ ደቡብ ሱዳን ብመሰረት’ቲ ዝተነበረ ወሰን ግዜ ዝመፅእ ሰኑይ ስምምዕ ሰላም እንተ ዘይፈሪሞም ስጉምቲ ከም ዝውሰዶም ሕብረት ኣውሮጳ ኣጠንቂቁ። ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣሌግዛንደር ሮንዱስ እንታይ ዓየንት ስጉትሚ ከምዝውሰዶም ባዕሎም እቶም ተነሓናሕቲ ወገናት ይፈልጡዎ እዮም ኢሎም።

እቲ ዝተነብረ ወሰን ጊዜ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እቲ ዝግበር ድፍኢት እውን እናወሰኽ ይኸይድ ኣሎ። ሕብረት ኣውሮጳ ድፍኢት ይገብሩ ካብ ዘለው ኣካላት ሓደ እዩ።ኢጋድ ፕላስ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ጉጅለ ኣባል ናይ ዝኾነ ሕብረት ኣውሮጳ ፍሉይ ልኡኽ ኣሌግዛንደር ሮንዱስ ነቲ ወሰን ግዜ ዘይምኽባር መቕፃዕቲ ከስዕብ እዩ ኢሎም።

ነቲ ድርድር ካብ እንጅምሮ 18 ኣዋርሕ ገይሩሎ።ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ህፃናት ክንደይ ከምዝኾኑ፣ ዝተተልተላን ፆታዊ መጥቓዕቲ ዝተፈፀመን ድቂ ኣንስትዮ ክንደይ ከምዝኾና እግዝሄር ይቑፀረን።

ስለዚ ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ተስፋ ናይ ምግባርን ዘይምግባርን ጉዳይ ኣይኮነን።ተቐናቐንቲ ወገናት ሓላፍነቶም እንተድኣይ ዘይተዋፂኦም ዝፍጠር ህውከትን ዝውሰዶም ስጉምትን ንዕኦም እውን ክፀርጎም እዩ።ብዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዝውሰዱ ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ድማ ንሶም እውን ይፈልጡዎ እዮም።

ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪርን መራሒ ተቃዋማይ ሓይሊ ሪያክ ማቻርን ካብ ሎም መዓልቲ ረቡዕ ጀሚሮም ኣብቲ ልዝብ ክሳተፉ ነይሩዎም። ሪያክ ማቻር ትማሊ ረቡዕ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው እንተኾኑ ፕሬዝዳንት ሳልቫ ኪር ግን ክሳብ ሕጂ ኣይኣተዉን።

ንመንግስቲ ዝድግፉ ፖለቲካዊ ፓርትታት ብምምራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፁ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ካብኔ ጉዳያት ምንስቴር / ማርቲን ኤሊያ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ከምዝተገብረ መራኸቢ ብዙሃን ፀብፂበን ኣለዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቶም ምንስቴር ዘባረሮም ገለልተኛ ናይ ዝኾኑ ተቓወምቲ ፓርትታት ዝመርሑ ላማኮል ካብ ሃገሮም ንኸይወፁን ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ልዝብ ንኸይሳተፉ ብመንግስቲ ደቡብ ሱዳን ምኽልካሎም ስዒቡ ከምዝኾነ ተገሊፁሎ።

መልሲ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣይተረኽበን።

ብኻሊእ ዜና ብሪያክ ማቻር ካብ ስልጣኖም ዝወረዱ ናይ ደቡብ ሱዳን ኣዛዚ ሰራዊት ጀነራል ፒተር ጋዴት ካብቲ ጉጅለ ምውፅኦምን ተሓቢሩሎ። ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝነብሮም ትልሚ እውን ሰሪዞምዎ ኣለው። እዚ ምዕባለ እዚ ሓድሽ ግጭት ከይቕስቅስ ተሰጊኡሎ።

XS
SM
MD
LG