ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

3ተ ኤርትራውያን ዝርከብዋ ጋንታ ብሽክለታ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ ቱር-ዲ-ፍራንስ ብምስታፍ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ትኸውን ኣላ


Eritreans heading to Tour De France
Eritreans heading to Tour De France

3ተ ኤርትራውያን ዝርከብዋ ጋንታ ብሽክለታ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ኣብ`ቲ ቱር-ዲ-ፍራንስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ቅድድም ብሽክለታ ብምስታፍ ኣብ ታሪኽ ጸሊም ኣፍሪቃ ፈላመይቲ ኾይና`ላ።

ሰለስቲኦም ኤርትራውያን ማለት፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ብርሃነን፡ ኣብ`ዚ እዋን`ዚ ኣብ`ቲ ውድድር ዝካየደሉ ናይ ፈረንሳይ ሰንሰለታዊ ጎቦታት ኣብ ልምምድ`ዮም ዘለዉ።

ካልኦት ንጋንታ MTN ወኪሎም ዝሳተፉ 3ተ ድማ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኾኑ ኸለዉ፡ ጃኩስ ጃንስ ረንስበርግ፡ ሉዊስ መይንጂስ ከምኡ ድማ ረይናርድ ይብሃሉ።

እቲ ዓቢይ ውድድር ቱር-ዲ-ፍራንስ፡ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ 4 ,2015 ኣብ ፈረንሳ ክካየድ`ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:15:18 0:00

XS
SM
MD
LG