ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘’ኣዋልድ ቺቦክ ኣይተረስዓን’’ ኣብ ቪኦኤ ዝተኻየደ መድረኽ ምይይጥ

The ‘Chibok Girls Not Forgotten’ event brought together, from left, VOA Director David Ensor, U.S. Representatives Frederica Wilson and Karen Bass, escaped Chibok schoolgirl Patience Bulus and human rights lawyer Emmanuel Ogebe.

ናይ ናይጀርያ ናዕበኛ ጉጅለ ቦኮ ሃራም 276 ተማሃሮ ኣዋልድ ካብ ሰሜናዊ-ምብራቅ'ሃገር ከተማ ቺቦክ ካብ ዝሓድራሉ ቤት-ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ካብ መደቀሲ ክፍልታተን ካብ ዝጨውየን ልክዕ ከምዛ ሎሚ መዓልቲ 14-ሚያዝያ ሓደ ዓመት ኮይኑ'ሎ።

ሓድሽ ፕሬዝዳንት ናይጀሪያ ኮይኖም ዝተመረፁ ሙሓማዱ ቡሓሪ ዝሓለፈ ዓመት ከምዛ ሎማዕንቲ ካብ ቺቦክ ብኣሸባሪ ቦኮ ሓራም ተጨውየን ዛጊድ ዘይተረኽባ 219 ኣዋልድ ንምምላስ ቃል ከምዘይኣትው ገሊፆም።

‘’ናይ ቺቦክ ኣዋልድ ምድሓን ዝክኣል እንተኾይኑ ኣይፈልጥን’’ ኢሎም ንሶም ዝተጨውያሉ ቀዳማይ ዓመት እታ ሃገር ኣብ ዝዘከረትሉ ሎሚ መዓልቲ ሰሉስ።

ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ነተን ኣዋልድ ንምምላስ ንዘካየዶም ፃዕርታት ዝነቐፉ ቡሓሪ መንግስቶም ካብቲ ዝትካእ መንግስቲ ብዝተፈለየ መንገዲ ክሰርሕ እዩ ኢሎም። ስራሕ ፕሬዝዳንተነተይ ምስ ጀመርኩ ኣኸረርቲ ቦኮ ሓራም ፅንዓት ሓባራዊ ድልየትና ክፈልጡ እዮም ኢሎም ብምውሳኽ።

ቦኮ ሓራም ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ እንተወሓደ ን' 2,000 ደቂ ኣንስትዮ ጨውዩ መብዛሕቲአን ናይ ፆታዊ ዓመፅ ባሮትን ተዋጋእትን ከምዝገበረን ንሰብኣዊ መሰላት ዝሕለቕ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊፁ’ሎ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ነቲ ዕለት ብምዝካር ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ድምፂ ኣሜሪካ ክልተ ኣባላት ኮንግረስን ሓንቲ ካብተን ተጨውያ ዘምለጠትን ‘’ኣዋልድ ቺቦክ ኣይተረስዓን’’ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ መድረኽ ምይይጥ ተኻይዱ’ሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:21 0:00

XS
SM
MD
LG