ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ዋሽንግተን ዲሲ ንምምካት ጎነፃዊ ፅንፈኝነት


U.S. Secretary of State John Kerry addresses the White House Summit on Countering Violent Extremism
U.S. Secretary of State John Kerry addresses the White House Summit on Countering Violent Extremism

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ህውከት ንዝሓዘለ ፅንፈኝነት ምምካት ብዛዕባ ዝከኣለሉ መንገዲ ክዘራረብ ዝቐነየ ዋዕላ ሃገራት ንስነ ሓሳብ- ፅልኢት ንምምካት ዝያዳ ክስራሕ ብምፅዋዕ ዛዚሞም።

ነዚ ህውከት ሓዘል ፅንፈኝነት ንምቅላስ ዓለም-ለኸ ፃዕርታት ንምድራኽ ተኸታታሊ ዞባዊ ኣኼባታትን ካልኦት መደባትን ከምዝካየድ ዩናይትድ ስቴተስ ኣፍሊጣ ኣላ።

ኣብቲ ን'3-መዓልታት ዝተኻየደ አኼባ ልዕሊ 60 ሃገራት ዝተኻፈላ ክኾና ኸለዋ ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ሲቪክ ማሕበራት ሰበ-ስልጣን ፖሎቲካን ሚኒስተራት ወፃኢን ተሳቲፎም።

እቲ አኼባ መንእሰያት ከም እስላማዊ መንግስቲ ብዝበሉ ጎነፃዊ ፅንፈኝነት ዘሰጉሙ ጉጅለታት ብቀሊሉ ዝምልመልሉ ምኽንያታት ከም ድኽነትን አድልዎን ዝበሉ ረቁሓታት ንምእላዮም ልዝብ ንምጅማር ዝሓለነ'ዩ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:07:33 0:00

XS
SM
MD
LG