ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ንዜና ምፍታሕ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ብሓጎስ ተቐቢላ፡ ዝተረፉ ክፍትሑ`ውን ተማሕጺና


Jen Psaki
Jen Psaki

ሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ ብምኽንያት ምፍታሕ ዳሕረዎት 6ተ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ተሪፎም ዘለዎ`ውን መንግስቲ ኤርትራ ንምፍታሖም ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክወስድ ነተባብዕ ኢሉ።

ከምኡ`ውን መንግስቲ ኤርትራ መሰረታዊ መሰላት ዜጋታቱ ንምኽባር ኣጠቓላሊ ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ንጽውዕ ይብል እቲ መግለጺ።

ምስ`ቶም ቅድሚ`ዞም ሕጂ ዝተፈትሑ ዝተፈትሐ መንእሰይ ጸጋይ መሓሪ፡ ኣብ መጋቢት 2013 ልዕሊ 20 ዝኾኑ ምስኡ ከምዝተፈትሑ ብምዝካር፡ እቶም "ድሕሬና ተኣሲሮም ዝነበሩ ብምሉኦም ምፍትሖም ብጣዕሚ ሕጉስ`የ" ኢሉ።

ኣብ 2009 ብሓደ ሳዕ ዝተኣስሩ ግዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብምሉኦም ከምዝተፈትሑ ኣብኡ ዝነበሩ ይገልጹ`ለዉ

ናብ ስዊድን ደዊልና ረኺብናዮ`ለና ፡ኣብ`ዚ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:08 0:00

XS
SM
MD
LG